ዜግነታዊ ውህደት ኣብ ኣመርስፎርት

Algemeen

ናብ ዜግነታዊ ውህደት ኣብ ኣመርስፎርት እንቋዕ ብደሓን መፃእኩም! ፍቓድ መንበሪ ስለዘለኩም፣ ኣብ ቀረባ እዋን ናብዚ ክትግዕዙ ኢኹም። ወይ ከዓ ኣቐዲምኩም ኣብዚ ትነብሩ ኣለኹም። እቲ ምምሕዳር ከተማ፣ ብቕልጡፍ ከም ገዛኹም ኰይኑ ክስመዓኩም ኣገዳሲ ምዃኑ ይኣምን። እዚ ከዓ ምስቶም ካልኦት ነበርቲ ንክንትሳተፉን ንክትወሃሃዱን የኽእለኩም። እዚ ከመይ ይሰርሕ ንዝብል ኣብዚ እንሄ።

መሰል መንበሪ

እቲ IND (ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ወዲ ሃገር ምዃንን (Immigratie- en Naturalisatiedienst)) ኣብ ኔዘርላንድ ክትፀንሑ ከም እትኽእሉ ወሲኑ ኣሎ። እዚ ከዓ መሰል መንበሪ ይበሃል። ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ www.ind.nl ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ዜግነታዊ ውህደት፦ ግዴታዊ ወይ ወለንታዊ

ድሕሪኡ ፈፃሚ ትካል ትምህርቲ (DUO, Dienst Uitvoering Onderwijs) ዜግነታዊ ውህደት ክትመልኡ ኣለኩም ወይስ የብልኩምን ዝብል ይውስን። ብዛዕባ እዚ ደብዳበ ክመፀኩም እዩ። ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ www.inburgeren.nl ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ብመሰረት DUO፣ ዜግነታዊ ውህደት ክትመልኡ ዘይከድልየኩም ይኽእል እዩ። ይኹን እንበር፣ ሐዚ እውን ቋንቋ ዴች ከምኡ'ውን ብዛዕባ መነባብሮ ሃገርና ዝምልከት ክትመሃሩ ክትደልዩ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ይከኣል እዩ፤ ግን ዝተፈላለዩ ሕግታት ተግባራዊ ይዀኑ፦

  • ዜግነዊ ውህደት ክመልእ ኣለኒ፤ ፍቓድ መንበሪ ድሕሪ
    • ናትኩም ወይ ከዓ ናይ ስድራቤትኩም ዑቕባ
    • ምስ ዴቻዊ ወይ ከዓ ዴቻዊት መፃምድትኹም ወይ ከዓ ስድራቤትኩም

ዜግነታዊ ውህደት ክመልእ ደልየ ኣለኹ፤ ንናይ ስራሕ መንበሪ ፍቓድ

ዜግነዊ ውህደት ክመልእ ኣለኒ

ዜግነታዊ ውህደት ክመልእ ዘለዎ መን እዩ ንዓኹም ከ እንታይ ማለት እዩ? ዑቕባ ክትረኽቡ ምስ ኣመልከትኩም ንስኹም ወይ ከዓ መፃምድትኹም ኣብ ኔዘርላንድ ክትፀንሑ እንድሕር ሃልይኩም፣ ወይ ከዓ ናብ ኔዘርላንድ ዝመፃእክምሉ ምኽንያት ምስ ዴቻዊ መፃምድትኹም ወይ ከዓ ስድራቤትኩም ንምንባር እንድሕር ኰይኑ። ድሕሪኡ መስርሕ ውህደት ክትመልኡ ኣለኩም። ኣብ ኣመርስፎርት፣ ኢንተግሬቲወርክ (Integratiewerk) ኣብዚ ጉዳይ ክሕግዘኩም እዩ። እዚ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ኣብ ታሕቲ ኣንብቡ።

ክሳዕ ሕዚ ኣብ ዞባ ኣመርስፎርት ኣብ ዝርከብ ማእከል ሓተትቲ ዑቕባ (AZC) ዲኹም ትነብሩ ከምኡ'ውን ናብ ኣመርስፎርት ክትግዕዙ ዲኹም? ከምኡ እንድሕር ኰይኑ፣ ኣቐዲምኩም መስርሕ ውህደት ክትጅምሩ ትኽእሉ ኢኹም ማለት እዩ። እዚ ከዓ "ቅድመ ምጅማር ውህደት" ይበሃል። ብዛዕባ እዚ፣ ኢንተግሬቲወርክ ብቐጥታ ክረኽበኩም እዩ።

ወፃኢታት

መንበሪ ፍቓድ ዝተውሃበኩም፣ ንስኹም ወይ መፃምድትኹም ዑቕባ ንምሕታት ምስ ኣመልከትኩም እንድሕር ኰይኑ፣ ንውህደት እትኸፍልዎ ነገር ኣይክህሉን። ዘለኩም መንበሪ ፍቓድ ምስ ዴቻዊት ወይ ከዓ ዴቻዊት መፃምድኹም ወይ ከዓ ስድራቤትኩም ንምንባር እንድሕር ኰይኑ፣ ንውህደትኩም ዝኸውን ባዕልኹም ክትከፍሉ ኣለኩም። ዘለውኹም መማረፂታትን ኩነታትን ንምርኣይ ናብ inburgeren.nl/inburgeren-betalenተወከሱ። ኣብ ኣመርስፎርት፣ ብዛዕባ ውህደት ንዝምልከት ጉዳያት ምስ ኢንተግሬቲዌርክ ዝበሃል ትካል ክትራኸቡ ትኽእሉ ኢኹም። ምስኦም ውጥን ክተውፅኡ እንከለኹም፣ ብዛዕባ ወፃኢታትን ብኸመይ ክትከፍሉ ከም እትኽእሉን ምሳኹም ክዝትዩ እዮም። መራኸቢ ሓበሬታኦም ኣብ እግሪ እዚ ገፅ ይርከብ።

መንበሪ ገዛ

ክሳዕ ሕዚ ኣብ ማእከል ሓተቲ ዑቕባ (AZC) ወይ ኣብ ናይ ህፁፅ ግዜ መዕቆቢ እንድሕር ትነብሩ ሃሊኹም፣ ከምኡ'ውን ኣብ ኔዘርላንድ ክትፀንሑን ናብ ኣመርስፎርት ከም እትግዕዙን ተነጊርኩም ኣሎ። ብዛዕባ ምስ ኩነታትኩም ዝኸይድ ክትረኽብዎ እትኽእሉ ገዛ እንታይ ዓይነት ምዃኑ ንምዝታይ ኢንተግሬቲወርክ ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ክፅውዐኩም እዩ። ብድሕሪኡ፣ ኢንተግሬቲወርክ ኣብ ኣመርስፎርት መንበሪ ገዛ ክደልየልኩም እዩ። እዚ ማለት ባዕልኹም ምእላሽ ኣይከድልየኩምን ማለት እዩ።

ሓድ ሓደ ግዜ እኹል ገዛውቲ ዘይክህሉ ይኽእል እዩ። በዚ ምኽንያት፣ ተራኹም ክሳዕ ዝበፅሐኩም ነዊሕ ግዜ ክትፅበዩ ክትግደዱ ኢኹም። እዚ፣ ደስ ዘይብልን ትዕግስቲ ዝሓትትን እዩ።

Een pan staat in zijn deuropening met zijn hand op de deurklink terwijl hij ons aankijkt

ውህደት ንኹሉ ሰብ ዝተፈላለየ እዩ። ባዕልኹም ክትገብርዎ ኣለኩም፤ ግን ኢንተግሬቲወርክ ክሕግዘኩም እዩ። ብሓባር ውጥን (ኣድላይ) ክተውፅኡ ኢኹም፤ ውጥን ውልቃዊ ውህደትን ተሳትፎን (PIP)። እዚ እንታይ ክትገብሩ ከም ዘለኩም የቐምጥ፤ ቋንቋ ዴች ከመይ ከም እትመሃሩን ንመፅናዕቲ ወይ ንስራሕ ብኸመይ ከም እትዳለዉን። ግን ከም ከተማ ምድህሳስ፣ ኣብ ኔዘርላን ክንክን ጥዕና ከመይ ከም ዝሰርሕ፣ መድሕን፣ ንደቕኹም ዝኸውን ቤት ትምህርቲ፣ ታክሲታት ወይ ከዓ ምሕደራ ቅርሺ ዝበሉ ነገራት እውን ከጠቓልል ይኽእል እዩ።

ዕላማ፦ ኣመርስፎርት ገዛኹም ኰይኑ ንክስመዓኩምን ሂወትኩም ብነፃነት ምንባርን።

Een glimlachende vrouw zit aan een tafel en schrijft in een werkboek

ሕቶታት

  • ብዛዕባ ውህደት፦
    • ኢንተግሬቲወርክ፣ ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ቃለ መሕትት ንምግባር ክፅውዐኩም እዩ።
    • ክሳዕ ሕዚ እንድሕር ዘይተፀዊዕኩም፣ ግን ሓገዝ የድልየኩም እንድሕር ኰይኑ፣ ናብ ኢንተግሬቲወርክ ብቁፅሪ ስልኪ 033-4619520 ክትድውሉ ወይ ከዓ ብ info@integratiewerk.nlኢሜይል ክትልእኹ ትኽእሉ ኢኹም። ብዛዕባ ኢንተግሬቲዌርክ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፦ www.integratiewerk.nl
  • ብዛዕባ መሰል መንበሪ፦ www.ind.nl
  • ብዛዕባ ካልኦት ክተመዓራርይዎም ዘለኩም ጉዳያት፦ ማእከላት ሓበሬታ Indebuurt033
Een breed glimlachende man, zitten aan het bureau van een medewerker

መስርሕ ውህደት ክመልእ ይደሊ እየ

መስርሕ ውህደት ክትመልኡ ኣለኩም ወይስ የብልኩምን ዝውስን ፈፃሚ ስራሕ ትምህርቲ (DUO) እዩ። ብዛዕባ እዚ ደብዳበ ክመፀኩም እዩ። ብስራሕ ምኽንያት ናብ ኔዘርላንድ እንድሕር መፂእኩም፣ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ደብዳበ መስርሕ ውህደት ብሕጊ ክትመልኡ ከምዘይብልኩም ይገልፅ። ተወሳኺ ኣብ www.inburgeren.nl ኣንብቡ።

ሓገዝ

ግን ምምሕዳር ከተማ ኣመርስፎርት፣ ከተማና ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ገዛኹም ኰይና ክትስመዓኩምን ብነፃነት ምንባር ክትክእሉን ኣገዳሲ እዩ ኢሉ ይኣምን። በዚ ኣቢልኩም ቋንቋ ክትመሃሩምስ ሰባት ክትራኸቡ፣ ስራሕ ወይ ከዓ ወለንታዊ ስራሕ ክትረኽቡ፣ ከምኡ’ውን ካልኦት ብዙሕ ነገራት ንምርካብ ናበይ ክትከዱ ከምዘለኩም ክትፈልጡ ኢኹም። ኣየናይ ትካል ክሕግዘኩም ከም ዝኽእል ንምፍላጥ፣ ኣብ www.samenindebuurt033.nl/organisatiesርኣዩ።

ካልእ ሕቶታት