ምውህሓድ ኣብ ኣመርስፎርት

አንቓዕ ብድሃን መጻኹም ኣብ ኣመርስፎርት!

ኣብ ቀረባ ጊዜ ኣብዚ ክትቅመቱ ኢኹም፣ ወይክኣ ትቕመጡ ኣልኹም። ቡዙሕ ሓዲሽ ነገራት ኣሎ ንዓኻትኩም።

አቲ ምምሕዳር ናይ ኣመርስፎርት ቐልቲጢፍኩም ክትወሃሃዱሕ እዩ ዝደሊ። እተን ሕግታት ናይ አቲ ምምውሃድ ኣብ ሕጊ ናይ ኢንቡርኽርን እየን ዝርከባ። አቲ ሕጊ ንኣኻትኩም አዩ ዝመልከት። አንታይ ተጻሒፉ ኣሎ ኣብቲ ሕጊ? እንታይ ማለት አዩ ንኣኻትኩም? ብዛዕብ ኢንቡርኽሪንግ አቲ ምምሕዳር ናይ ኣመርስፎርት ምስ ኢንተኽራሲቨርክ እዩ ዝሰርሕ ። ኢንተኽራሲቨርክ እንታይ ክትገብሩ ከምዝለኩም ብዛዕባ ኢንቡርኽሪን ትሕግዘኩም እያ። ኢንትኽራሲቨርክ ኣብ ዝሓዘረ ጊዜ ንዝርርብ ትዕድመኩም። ሕጹጽ ዝኾነ ሕቶታት እንተእለኩም ን ኢንተኽራሲቨርክ በዚ ዝስዕብ ቴሌፎን ቑጽሪ ትድውሉ፥ 033-4619520 ወይ ክኣ e-mail: info@integratiewerk.nl.

ገዛ

ኣብ መንበሪ ዕቑባ (AZC) ትቅመቱ ኣልኹም፣ ዕቑባ ድማ ረኺብኩም። ኣብ ኣመርስፎርት ገዛ ከምትውሃቡ መልእኽቲ ረኺብኩም። ሰራሕተኛ ናይ ኢንተኽራሲቨርክ ንዝርርብ ብቕልጡፍ ይዕድመካ መታን ምሳኻ ክላለን ብዛዕባ እቲ ንዓኻ ዝኸውን ገዛን ንምድላይ ኣብ ኣምስፎርት። ብድሕሪኡ እቲ/ታ ናይ ኢንተኽራሲ ሰራሕተኛ ገዛ ኣብ ኣመርስፎርት ይደልየልካ። ባዕላትኩም ገዛ ክትደልዩ ኣይድለኩም እዩ። ነዊሕ ግዜ ክውሰድ ይኽእል እዩ ክሳብ ገዛ ዝርከብ። ሓንሳብሓንሳብ እኹል ገዛ የለን፣ ነውሕ ግዜ ክትጽበዩ ኣልኩም ክሳብ ገዛ ዝውሓብኩም። ባህ ኣይብል እዩ፣ ኣቅሊ ይሓትት። ሕጹጽ ሕቶታት እንተእለኩም፣ ን አንተኽራሲቨርክ በዚ ዝስዕብ ስልኪ ቑጽሪ ፥ 033-4619520 ወይ ክኣ e-mail: info@integratiewerk.nl. ክትረኽብዎም ትኽእሉ ኢኹም።

Een pan staat in zijn deuropening met zijn hand op de deurklink terwijl hij ons aankijkt

ሓገዝ

ኩሉ ንኣኻትኩም ሓዲሽ አዩ ኣብ ኔዘርላንድን ኣመርስፎርትን። አቲ ምምሕዳር ናይ ኣመርስፎርት ክትሕገዙ እዩ ዝደሊ። በዚ ምኽንያት ትሓጋጋዚ ካብ አንተኽራሲቭርክ ክገበረልኩም እዩ። እቲ ተሓጋጋዚ ንዝርርብ ክዕድምኩም አዩ። እቲ ሓልፍነት ናይ ኢንቡርኽሪን ናታትኩም አዩ። እቲ ሕጊ ናትካ ጻዕርን ምስታፍን እዩ ዝሓተት። እቲ ተሓጋጋዚኻ/ካ ክሕግዘካ/ኪ እዩ ክሳብ ባዕልኻ ክትምሐደር እትኽእል።

ኣብ መዕቖቢ ቦታ (AZC) ተቕሚጥኩም አንድሕር ድኣ ትፈልቱ ኾንኩም፣ ሓገዝ  ንምቕማጥ ኣብ ኣመርስፎርት ውን ክግበርልኩም አዩ። ን ኣብነት፥ ናይ ገዛ ሓኪም፣ ውሕስና፣ ትምርቲ ናይ ቖልዑት፣ ቀረጽ፣ ደብዳቤ ወዘተ።  

ዕድም እንትዘይረክብኩም፣ ግና ሓገዝ የድለኩም ኮይኑ፣ ን ኢንተኽራሲቨርክ በዚ ዝስዕብ ቴሌፎን ቑጽሪ፥ 033-4619520 ወይክኣ e-mail: info@integratiewerk.nl. ክትረኽብዎም።

Een breed glimlachende man, zitten aan het bureau van een medewerker

መደብ

አቲ ኢንቡርኽሪ ከመይ ከምዝመስል ንኩሉ ሰብ ይፋላለ እዩ። አቲ ተሓጋግዚ ናይ ኢንትኽራሲቨርክ ብሓንሳብ ምሳኻትኩም መደብ ነቲ ኢንቡርኽሪን የውጽእ። እቲ መደብ ፐርሶንልክ ፕላን ኢንቡኽሪንን ፓርቲሲፓሲ (PIP) ይባል። እቲ መደብ እዚ እንታይ ክትገብር ከምዘሎካ ነቲ ኢንቡርኽሪን  እዩ ዝገልጽ፣ ከመይ ጌርካ ቓንቓ ናይ ኔዘርላንድ  ከም እትምሃርን ከመይ ጌርካ ንስራሕ ከም እትዳሎን እዩ ዝሕብር። ክምኡ ድማ ብዛዕባ እቲ ሓዲሽ እትቕመጦ ቦታ፣ ብዛዕባ ጥዕና፣ ንኣብነት ናይ ገንዘብ ኣትሓሕዛ። አቲ መደብ ግዴታ አዩ። ስለዚ እዩ ድማ ኣገዳሲ ጽቡቕ መደብ ምውጻእ። ነዚ ንንምግባር ምናልባት ካብ ሓደ ዝርርብ ንላዕሊ የድልየኩም ይኸውን። ብሓንሳብ ምስ እታ ተሓጋግዚትካ ብዛዕባ አቲ ኢንቡርግርን ካብ ምጀምርያ ክሳብ መወዳእታ ክትዛራርቡ ኢኹም። ብድሕሪኡ ክትጅምሩ ኢኹም። ኢንቡርኽሪን ብዙሕ ግዜን ጻዕርን ካባኻትኩም ይሓተት። እቲ ዕላማ ኣመርስፎርት ከም ገዛኻ ንኽስምዕእካ እዩ እቲ ዕላማ። ከምኡ ድማ ሓዲሽ ናይ ገዛ ርዕስኻ ሒወት ንኽትመርሕ ።አቲ ትሓጋጋዛይ ናይ ኢንተኽራሲቨርክ በቲ ዘድሊ ኣብቲ ኹሉ ናይ  ኢንቡርኽሪን እዋን ክሕግዝኩም አዩ።

ሕጹጽ ሕቶታት እንተኣሎኩም በዚ ዝስዕብ ቴሌፎን ቑጽሪ፥ 033-4619520 ክትድውሉ ትኽእሉ፥ ወይክኣ e-mail: info@integratiewerk.nl.

ኢንተኽራሲቨርክ

አቲ ምምሕዳር ናይ ኣመርስፎርት ምስ ኢንተኽራሲቨርክ ብዛዕባ ኢንቡርኽሪንግ ብሓንሳብ እዩ ዝሰርሕ። እዚ ማሕበር ና ኢንተኽራሲቨርክ ብዙሕ ትሞክሮ ኣሎዋ ብዛዕባ ኢንቡርኽሪንግ። እንተድኣ ዝያዳ ሓብረታ ደሊኹም ኣብዚ መርበብ ሐበሪይታ ናይ ኢንተኽራሲቨርክ ትረኽብዎ ፣ www.integratiewerk.nl

ናይ ኡቅባ መሰል

ናይ ዕቑባን ምውሕሓድን ትካል (IND) እዩ ዝውስን ኣብ ኔዘርላንድ ንኽትነብሩ፣ እዚ ድማ ናይ ኡቅባ መሰል አዩ ዝባል። ዝያዳ ሓብረታ፥ https://ind.nl/Paginas/home.aspx

ግዴታ ናይ ኢንቡርኽሪንግ

ዑቕባ ምስ ረኸብኩም፣ ዲዎ (DUO) (Dienst Uitvoering Onderwijs) ብዛዕባ ኢንቡርኽሪን ግዴታ እንተ እሎካ  ትውስን። ብዛዕባኡ ደብዳቤ ክትረኽቡ ኢኹም። ዝያዳ ሓብረታ፥ https://www.inburgeren.nl/

እንተድኣ ግዴታ ኣሎካ/ኣሎኩም፣ አቲ ሕጊ ናይ ኢንቡርግርን ይምልከትኩም። አቲ ምምሕዳር ናይ ኣምስፎርት ሓላፍነት ኣሎዎ ነቲ ሕጊ ኣብ ተግባር ከውዕሎ።