Tigrinya

ምውህሓድ ኣብ ኣመርስፎርት

አንቓዕ ብድሃን መጻኹም ኣብ ኣመርስፎርት! ኣብ ቀረባ ጊዜ ኣብዚ ክትቅመቱ ኢኹም፣ ወይክኣ ትቕመጡ ኣልኹም። ቡዙሕ ሓዲሽ ነገራት ኣሎ ንዓኻትኩም።

አቲ ምምሕዳር ናይ ኣመርስፎርት ቐልቲጢፍኩም ክትወሃሃዱሕ እዩ ዝደሊ። እተን ሕግታት ናይ አቲ ምምውሃድ ኣብ ሕጊ ናይ ኢንቡርኽርን እየን ዝርከባ። አቲ ሕጊ ንኣኻትኩም አዩ ዝመልከት። አንታይ ተጻሒፉ ኣሎ ኣብቲ ሕጊ? እንታይ ማለት አዩ ንኣኻትኩም? ብዛዕብ ኢንቡርኽሪንግ አቲ ምምሕዳር ናይ ኣመርስፎርት ምስ ኢንተኽራሲቨርክ እዩ ዝሰርሕ ። ኢንተኽራሲቨርክ እንታይ ክትገብሩ ከምዝለኩም ብዛዕባ ኢንቡርኽሪን ትሕግዘኩም እያ። ኢንትኽራሲቨርክ ኣብ ዝሓዘረ ጊዜ ንዝርርብ ትዕድመኩም። ሕጹጽ ዝኾነ ሕቶታት እንተእለኩም ን ኢንተኽራሲቨርክ በዚ ዝስዕብ ቴሌፎን ቑጽሪ ትድውሉ፥ 033-4619520 ወይ ክኣ e-mail: info@integratiewerk.nl.

ዝያዳ ሓብረታ

ኢንተኽራሲቨርክ

አቲ ምምሕዳር ናይ ኣመርስፎርት ምስ ኢንተኽራሲቨርክ ብዛዕባ ኢንቡርኽሪንግ ብሓንሳብ እዩ ዝሰርሕ። እዚ ማሕበር ና ኢንተኽራሲቨርክ ብዙሕ ትሞክሮ ኣሎዋ ብዛዕባ ኢንቡርኽሪንግ። እንተድኣ ዝያዳ ሓብረታ ደሊኹም ኣብዚ መርበብ ሐበሪይታ ናይ ኢንተኽራሲቨርክ ትረኽብዎ ፣ www.integratiewerk.nl

ናይ ኡቅባ መሰል

ናይ ዕቑባን ምውሕሓድን ትካል (IND) እዩ ዝውስን ኣብ ኔዘርላንድ ንኽትነብሩ፣ እዚ ድማ ናይ ኡቅባ መሰል አዩ ዝባል። ዝያዳ ሓብረታ፥ https://ind.nl/Paginas/home.aspx

ግዴታ ናይ ኢንቡርኽሪንግ

ዑቕባ ምስ ረኸብኩም፣ ዲዎ (DUO) (Dienst Uitvoering Onderwijs) ብዛዕባ ኢንቡርኽሪን ግዴታ እንተ እሎካ  ትውስን። ብዛዕባኡ ደብዳቤ ክትረኽቡ ኢኹም። ዝያዳ ሓብረታ፥ https://www.inburgeren.nl/

እንተድኣ ግዴታ ኣሎካ/ኣሎኩም፣ አቲ ሕጊ ናይ ኢንቡርግርን ይምልከትኩም። አቲ ምምሕዳር ናይ ኣምስፎርት ሓላፍነት ኣሎዎ ነቲ ሕጊ ኣብ ተግባር ከውዕሎ።

Website Integratiewerk